Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Contextማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።
Translation | Contextኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።
Translation | Contextእንሆ፣ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፣ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።
Translation | Contextትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
Translation | Contextነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።
Translation | Contextብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።
Translation | Contextንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።
Translation | Contextእዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextእንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ አሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።
Translation | Contextብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።
Translation | Contextሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።
Translation | Contextሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።
Translation | Contextእታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
Translation | Context