Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እዚ ህዝቢ እዚ ምምሕሓል ንዚብሎ ዂሉ ምምሕሓል ኣይትበልዎ፡ ነቲ ዚፈርሆ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፡ ብእኡውን ኣይትሰክሑ። ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን።
Translation | Contextገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።
Translation | Contextዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ። ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ። ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።
Translation | Contextእቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸኣ፡ ካብዛ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ፡ ንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶም እዩ።
Translation | Contextእንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ። ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን። እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ። ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዐቦ። ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡ ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ። ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ። ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዐጽደት። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ። ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ።
Translation | Contextኣብ ልዕሊ ዅሉ ኺኦበ እዩ እምበር፣ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን፣ ነቲ ሃረርታ ኣንስታን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሉንን እዩ።
Translation | Contextመገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
Translation | Contextኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም፧ ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
Translation | Contextናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።
Translation | Contextኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፣ እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፣ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፣ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ። አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፣ ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም። ምስ ተፈርደ፣ ተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ። ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ። ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፣ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ። ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። ሐድጉ ይጽነቱ፣ ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ። በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፣ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ። ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ። ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፣ ንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶ፣ ንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶ። ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ። ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ። ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ አሎኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ። መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ። ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡ፣ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፣ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ አሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
Translation | Contextኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።
Translation | Contextሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡ ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት። ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ። ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ኣይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
Translation | Contextከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ። ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን። ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ። ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዙይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩም ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ። ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዓቑ። ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ። እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ። ንዅላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም። ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኵሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም አሎኹ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእ፣ ኣበሳ ኺዕረቕ፣ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱ፣ ራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፣ መስፍን፣ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሱ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
Translation | Contextእቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን። እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን። ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ። ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
Translation | Context