Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

the human body


መዝሙር 139:13-16 | 21 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19 | 14 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
መዝሙር 139:14 | 13 Helpful votes

መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 7 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:21 | 7 Helpful votes

ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:35-49 | 5 Helpful votes

ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉኣታ ዓሻእቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። ስጋ ሰብ በይኑስጋ እንስሳ በይኑስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ስጋ ድማ አሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ አሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞክብሪ ጸሓይ በይኑክብሪ ወርሒ በይኑክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእብውርደት ይዝራእብኽብሪ ይትንስእብድኻም ይዝራእብሓይሊ ይትንስእነፍሳዊ ስጋ ይዝራእመንፈሳዊ ስጋ ይትንስእነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉመንፈሳዊ ስጋውን አሎ። ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብኣዳምህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነንደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮምከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮምከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰናምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ያእቆብ 2:26 | 4 Helpful votes

እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ኤርምያስ 17:9 | 2 Helpful votes

ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:51-52 | 2 Helpful votes

እንሆምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢናብሓንሳእብቕጽበት ዓይኒበቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮምንሕናውን ክንልወጥ ኢና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:19 | 2 Helpful votes

እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎምነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም

Translation | Context