Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the great commission


ማቴዎስ 28:18-20 | 15 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ማርቆስ 16:15 | 11 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19 | 9 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 24:46-47 | 6 Helpful votes

ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 20:21 | 6 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽሰላም ንኣካትኩም ይኹንከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:8 | 6 Helpful votes

ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒበልኩ

Translation | Context
ማቴዎስ 9:37-38 | 6 Helpful votes

ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱእቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 5 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:7-8 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነንመንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 28:28 | 3 Helpful votes

እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 10:15 | 3 Helpful votes

ከመዮኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍእንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 | 3 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣእተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦምመንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበበብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉእንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎምእዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸትጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደምኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤልእዚ ቓልዚ ስምዑባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡየሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢተዛረበኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበርበልዎምጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑእናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁበታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮምእግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:1-26 | 2 Helpful votes

ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ አሎኹ፡ ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾምድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ አሎኹ። ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነንመንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረአይዎ ዐረገካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀልንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ። ኣቱም ኣሕዋተይብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ። እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝአተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ። ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዚብሀል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ዮሃንስ 4:35-38 | 2 Helpful votes

ንስካትኩምዶቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎትብሉ ኣይኰንኩምንኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩእብለኩም አለኹ። ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ ዘራእን እቲ ዓጻድን ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹምካልኦት ጸዓሩሉንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም

Translation | Context
ሉቃስ 10:1-12 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔበብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾምበሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽለምንዎመገድኹም ኪዱእንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤትቅድምነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹምዝቐረቡልኹም ብልዑ። ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩመንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ፡ ከኣ በልዎም። ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥ እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልልእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context