Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ። በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡ ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን። ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ። በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡ ጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶን። ካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳን፡ ወይ ጒኖ፡ ወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ። ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ። ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም። በቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
Translation | Contextንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።
Translation | Contextእቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።
Translation | Contextዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።
Translation | Contextደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡ ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን። ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ። በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡ ጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶን።
Translation | Contextበቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተአሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን ኣንጽዕርን ዘሎና። እዚ ኣዝዝን ምሃርን። ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።
Translation | Contextስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።
Translation | Contextካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
Translation | Contextስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።
Translation | Context