Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።
Translation | Contextኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።
Translation | Contextመዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
Translation | Contextምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።
Translation | Contextምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።
Translation | Contextሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
Translation | Contextእቲ ዚገብሮ ዘሎ እግዚኣብሄር ኬጽንዕ ዜዳሉ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዝስሙ ኸምዚ ይብል አሎ። ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።
Translation | Contextዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።
Translation | Contextንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።
Translation | Contextንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Context