Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

the day of pentecost


ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 | 12 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣእተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦምመንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበበብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉእንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎምእዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸትጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደምኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤልእዚ ቓልዚ ስምዑባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡየሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢተዛረበኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበርበልዎምጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑእናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁበታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮምእግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1-13 | 8 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣእተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦምመንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበበብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉእንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎምእዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 6 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1 | 5 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:1-41 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ ምስ ኣመንኩምሲመንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናንኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀትበልዎ። ሽዑ ጳውሎስዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐበሎም። እዚ ምስ ሰምዑብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ። ኣብ ቤት ጸሎት ኣአትዩብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረመኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎምርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም አሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹምኢሉ መለሰሎም። እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖምስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔንእዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለክልተ ኻብቶም ደገፍቱጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶምንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ። በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባትጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም። እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑንእናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወንትርእዩን ትሰምዑን አሎኹም። እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ። እዚ ምስ ሰምዑኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስንእናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ። እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶንከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ አለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎምነንሓድሕዶም ይካሰሱ። እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ። በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ አሎና። ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ

Translation | Context
ዮኤል 2:28-32 | 4 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራትደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክንከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸትጸሓይ ኣብ ጸልማትወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ። ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከርን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:16 | 4 Helpful votes

እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡

Translation | Context
ዘጸአት 34:22 | 4 Helpful votes

ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ሰሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል

Translation | Context
ማርቆስ 16:16 | 3 Helpful votes

ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።

Translation | Context