Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።
Translation | Contextዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፣ ብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም።
Translation | Contextክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
Translation | Contextንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፣ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፣ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሉ። በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ። እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን። ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲውቄል ነበርኩ። ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ። ስጋኡ ኸም በሪሎስ፣ ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ፣ ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና፣ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ክርም ርሱን ኣስራዚ፣ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምዚ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዘርኤክዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎንኅ ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖም፣ ኪሕብኡ ኸኣ ሀደሙ። ሽዑ በይነት ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኤኹ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ፣ ሓይሊውን ኣይተረፈንን። ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ። እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ተንከየትኒ፣ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ። ንሱውን፣ ኣታ ዳንኤል፣ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፣ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፣ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፣ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፣ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ። በለኒ ድማ፣ ዳንኤለየ፣ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፣ ኣይትሸበር፣ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ። እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፣ ንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ። እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ። እዚ ቓላት እዚ ምስ ተገረኒ፣ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ። እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፈተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመት ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ዚዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ። ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶካ ሰብ፣ ኣይትሸበር፣ ሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕ፣ በለ። ምስ ተዛረበኒ፣ በርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየ፣ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብ፣ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊይካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።
Translation | Contextዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፣ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ። ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካን፡ ኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፣ ኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፣ ኬድሕኖ ተጋደለ።
Translation | Contextየሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።
Translation | Contextንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።
Translation | Contextግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextበቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።
Translation | Contextኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።
Translation | Contextፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።
Translation | Contextኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።
Translation | Context