Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።
Translation | Contextንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡
Translation | Contextሃሌሉያ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱውን ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።
Translation | Contextአብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።
Translation | Contextሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕር ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
Translation | Contextእግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
Translation | Contextኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
Translation | Context