Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።
Translation | Contextኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ። ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና። ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፣ ብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።
Translation | Contextንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Context