Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፧ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።
Translation | Contextየሱስ ነብዔ።
Translation | Contextእንጌራ ንብዓት አብላዕካዮም፣ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም።
Translation | Contextፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextኪድ እሞ ንህዝቅያስ ንገሮ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እንሆ፡ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።
Translation | Contextማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።
Translation | Context