Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ። ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ አታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶ፡ በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ። ዮናዳብ ድማ በሎ፡ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፡ ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፡ ብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ። ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕቻ ኽትገብረለይ፡ ብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጻኣኒ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኡኽ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኩ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉ፡ በላ። ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ። ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲ፡ ናብ ሕልፍኚ፡ ኣእትውዮ፡ በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ። ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ፡ ሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ፡ በላ። ንዳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ። ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኣብአ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስአ ድማ ደቀሰ። ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልአ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልአ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን። ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽአለይ፡ ድሕሪአ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ። ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽአ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪአ ዐጸዎ። ታማር ድማ ሐመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናአእወየት ከደት። ኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ፡ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠት። ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተናደደ። ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን። ኰነ ድማ፡ ኣቤሴሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓል-ሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞም። ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ እንሆ፡ ጊልያኻ ቘረጽቲ ኣባጊዕ ዓለዉኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱ፡ በሎ። ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድን ኢና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን። ሽዑ ኣቤሴሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ፡ በሎ። ንጉስ ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፡ በሎ። ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም። ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንአምኖን ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ፡ ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም። ገላዉ ኣቤሴሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ። ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ ኣቤሴሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎም፡ ዚብል ወረ መጸ። ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ። ዮናዳብ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብአፍ ኣቤሴሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስ፡ ጐይታይ ኣይበል። እምበአርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር ኣዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ። ኣቤሴሎም ግና ሀደመ። እቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረአየ። ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስሲ እነዉ፡ ይመጹ አለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀነ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ንጉስን ኲሎም ገላዉኡን ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ። ኣቤሴሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይ፡ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር፡ ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ሀዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ስለስተ ዓመት ነበረ። ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ምውጻእ ሐደጎ።
Translation | Contextደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡ ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ። ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ። ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም። ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ። ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ። እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም። ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ። ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ። ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ። እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡ ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡ ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ። ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም። ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ። ካሌብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን። ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ። ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ። ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ። ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ። ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ። ሔጽሮን ኣብ ካሌብ-ኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ። ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም። የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ። ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም። ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም። ስም ሰበይቲ ኣቢሹር ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ። ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ። ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ። ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም። ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ። ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ። ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ። ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ። ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ። ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ። ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን። ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን። ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ። ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤት-ጹር እዩ። ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ። ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም። ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት። ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ። ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም፡ ሳልማ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤት-ጋደር። ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት። ዓሌታት ቂርያት-የዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ። ደቂ ሳልማ፡ ቤት-ልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮት - ቤት-ዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም። እቶም ኣብ ያዕቤድ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም።
Translation | Context