Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ግናኸ፡ ከም ስርዓት እቶም ካብኡ ዝሰደድዎም ህዝብታት፡ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ስርዓት ቀደም ይገብሩ አለዉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ከም ሕጋጋቶምን ከም ፍርድታቶምን ወይ ከምቲ እግዚኣብሄርስ ንደቂ ያእቆብ፡ ንእኡ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ፡ ዝአዘዞም ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኣይገበሩን። እግዚኣብሄር ድማ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎምን ኣይትስገዱሎምን ኣይተገልግልዎምን ኣይትሰውኡሎምን። ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ደኣ ፍርህዎ፡ ንእኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንእኡ ኸኣ ሰውኡሉ። ነቲ ዝጸሐፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። ነቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲላቶም ጸላእትኹም ኬድሕነኩም እዩ። ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደኣ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን። ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ አለዉ።
Translation | Contextንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
Translation | Contextነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ።
Translation | Context