Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣአዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ አሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን አሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ። እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
Translation | Contextዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።
Translation | Contextሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣአዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ አሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን አሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት።
Translation | Contextኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም። ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ አሎኻ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሃልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧ ግዝረትሲ፡ ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።
Translation | Contextሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።
Translation | Contextሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣአዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ አሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧
Translation | Contextማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
Translation | Contextእምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧
Translation | Contextካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፧ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣ ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል። እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ። እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግሎዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።
Translation | Context