Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

submission to god


ያእቆብ 4:7 | 13 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 10 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:7 | 9 Helpful votes

እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:6 | 6 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22-26 | 4 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 3 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21-33 | 3 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 2 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብናፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበርደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:28 | 2 Helpful votes

ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:1-33 | 2 Helpful votes

ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩምዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩምከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎእቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩምንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:5-8 | 2 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣትነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎምከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነንንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡባርያ ዀነ ጭዋ ዀነነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎፍለጡ

Translation | Context
ማቴዎስ 26:36-46 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊኣብዚ ተቐመጡበሎምንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ። ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ አላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑበሎምቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውንኣቦይዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኩን። ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩንመንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየከም ብሓድሽ ድማ መጸኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦምሐዲግዎም ከደሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉንእንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔትወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። ተንስኡንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒእንሆቀሪቡ አሎ፡ በሎም።

Translation | Context