Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።
Translation | Contextንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
Translation | Contextቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Contextእምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሐፎ። እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልትታት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኺበዝሓ እዩ። እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ክትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኣ ከተፍቅሩ፡ ብዅለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣ ክትለግቡን፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ሐሎኹምዎ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኵሎም ካብ ቅድሜኹም ኪሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዚዐብዩን ንዚሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም።
Translation | Contextኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፣ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
Translation | Contextጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
Translation | Contextንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Context