Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

strengthening our relationship with jesus


ዮሃንስ 15:7 | 11 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
ራእይ 3:20 | 10 Helpful votes

እንሆኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:5-24 | 9 Helpful votes

ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበናንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎምበደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜንንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛትጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤርእስኻ ተለኸገጽካ ውን ተሐጸብእቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውንዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:1-21 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎናክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎናክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕንጸላእቱ ኸሎናምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕንግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብናብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነንስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወብሓጢኣትውን ሞትኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነንብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነንፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲሕጊ ኣተወኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:21 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅምንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 139:1-24 | 4 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውንንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒየማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖምፍጹም ጽልኢ እጸልኦምጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽመርምረኒልበይ ከኣ ፍለጥፈትነኒሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ

Translation | Context
ሮሜ 7:1-25 | 4 Helpful votes

ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሰበይቲሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነትዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎናንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነእንተ ዘይብልሲንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎእምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒያእ ኣይፋሉንሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር አሎኹ። ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ፍቓድሲ አሎኒምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦእፈልጥ አሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
መዝሙር 119:1-176 | 4 Helpful votes

ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩንብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎትእዛዛትካ ኣዘዝካኣየስርዓታትካ ኽሕሉስመገደይ እንተ ዚቐንዕ። ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩንፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ። ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩንትእዛዛትካ ኤስተንትኖንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ። ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ። ብህይወት ክነብርቃልካውን ክሕሉስንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስኣዒንተይ ክፈተለይ። ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይነፍሰይኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት። ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይመሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ። ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም። ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። መገደይ ኣዘንቶኹ፣ ንስኻውን መለስካለይስርዓታትካ ምሀረኒንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒመገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ። መገዲ ሓቂ መረጽኩፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ። ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄርኣይተሕፍረኒልበይ ምስ ኣግፋሕካብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ። ዎ እግዚኣብሄርመገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ። ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ። ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰንብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይእንሆትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ። ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ። ንፍርድታትካ እጽበ አሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ። ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜንዘለአለም ክሕልዎ እየ። ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብኣይክሐፍርን ድማ እየ። በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕልስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክርቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩንጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩእጸናናዕ አሎኹ። ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ። ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄርብለይቲ ስምካ ሐሰብኩሕግኻውን ሐሎኹትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ። ጐይታየምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ። ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒንመገደይ ሐሰብኩኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹንኣግማድ ረሲኣን ከበበኒሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ። ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ። ጐይታየምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ አላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ አሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር አሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ። ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል አሎኹ። ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀርውርደተይ ሰናይ ኰነለይ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንንትእዛዛትካ ኽምህርሲኣለብመኒንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም። ጐይታየፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒእፈልጥ አሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓልጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ። ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲምሕረትካ ይውረደኒዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን አሎኹ። እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ። ምእንቲ ኸይሐፍርሲልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን። ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ አላ፣ ንቓልካ እጽበዮ አሎኹ። መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒእናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ። ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩንመዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም፧ እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ። ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ አለዉ፣ ርድኣኒ። ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን። ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄርቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር አላ። ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ አሎ። ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ። ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒይጸናተውኒ አለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ አሎኹ። ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ። ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ። ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ። ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩኣጽናዕክዎ ኸኣ። ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄርፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ። ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ። ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩንምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ። ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብርልበይ ኣድነንኩክልተ ዝልቦም ጸላእኩሕግኻ ግና ፈቶኹ። ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር አሎኹ። ትእዛዛትካ ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ። ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ። ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ። ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም። ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ። ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድፍርድኻውን የሸብረኒ አሎ። ፍርድን ጽድቅን እገብር አሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም። ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ። ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲኣእምሮ ሀበኒ። ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ። ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ። ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ። ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎምኽፋት ቃልካ የብርህንገርህታት ኣእምሮ ይህብ። ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል አሎኹ። ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንንንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮእከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ። ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ አሎ። ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ አሎ። ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩንጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ። መከራን ሽጋርን ረኸበኒትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ። ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ ዎ እግዚኣብሄርምለሰለይስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ናባኻ ተማህለልኩኣድሕነኒምስክራትካውን ክሕሉ እየ። ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹንቓልካ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኼስተንትንሲኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም። ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ አለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ። ዎ እግዚኣብሄርቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ። ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ። ዎ እግዚኣብሄርርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩንቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም። ዎ እግዚኣብሄርንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር። መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ። ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ አሎ። ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖንንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ። ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ። እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄርንምድሓንካ ተጸቤኽዎትእዛዛትካ ድማ ገበርኩነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ። ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ። ዎ እግዚኣብሄርኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ። ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን። ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ። ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን። ጐይታየምድሓንካ እናፍቕ አሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ። ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ። ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 3 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
መዝሙር 145:20 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፣ ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:10 | 3 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ

Translation | Context
እብራውያን 11:1-40 | 3 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎምዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረትከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክሞት ምእንቲ ኸይርኢብእምነት ገዓዘቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞኣይተረኽበንብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነናነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣንመሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩየርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስኪምለሱ ጊዜ ነይርዎምሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊትይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁንሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦምብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑተዋሕጡቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎብእምነት ወደቐረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶምብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡኣፍ ኣናብስ ዓጸዉንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎምኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦምካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩንገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙተፈተኑተሰይፎም ሞቱኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑጸበቦምሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየእዚኦም ኵላቶምብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን

Translation | Context
መዝሙር 91:16 | 2 Helpful votes

ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 2 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበመልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮንብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢመዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:1-30 | 2 Helpful votes

ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ አሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ። ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉመሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧ እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩምንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ። ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ። እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደምጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ። ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣንቤት ኣብ ቤት ዚድርቡግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበኒ። እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦምመሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም አሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን። ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው። ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ አላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዚብሎን ናብኣ ይወርድ አሎ። እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ኪብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ኪዋረዳ እየን። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ። ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ኪጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ኪበልዕዎ እዮም። እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶትንሓጢኣት ከኣ ከም ብመጣምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም። እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውንዚብሉ ወይለኦም። እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉንጸልማትሲ ብርሃንንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎንመሪርሲ ጥዑምንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም። እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም። መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዜጽድቕዎንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዜግድፍዎ ወይለኦም። ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሐሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዜንድዶንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዚብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ኪኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ኪተጒጒ እዩ። ስለዚ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሔ እሞ ወቕዖምኣኽራን ኣንቀጥቀጡሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም። ድኹምን ስንከልከል ዚብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስንቅናት ሕቚኦም ኣይፍታሕንጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽንፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ። ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙየጒራዕርዑግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ኪሀሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት

Translation | Context
ራእይ 3:22 | 2 Helpful votes

እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:8 | 2 Helpful votes

ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩምንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 22:1-31 | 2 Helpful votes

ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፧ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ። ዎ ኣምላኸይብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስንብለይቲውን ትም ኣይብልን። ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ። ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም። ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን። ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብንብህዝቢ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን። ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ጭንቂ ቐሪቡ አሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ። ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ አለዉ። ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒኣኽላባት ከቢቦምኒኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። ንኽዳውንተይ ይማቐልዎንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሓቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ። ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖንኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን። እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም። መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ። ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም። ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትውሉ እዮም። ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዚውለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኺነግርዎ እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:17-19 | 2 Helpful votes

ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምንምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-3 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ

Translation | Context