Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ። ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐዉ።
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
Translation | Contextንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።
Translation | Contextኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝዀነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ኪሐርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ኬቚሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ኪጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ኪለግቡ እዮም። እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ኪወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ኪገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዜዕርፈካ መዓልቲ፡
Translation | Contextእንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ። የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
Translation | Contextእቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ፣ ከተረ፣ ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ፣ ንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ።
Translation | Contextካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም።
Translation | Context