Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

storms


ዘዳግም 31:6 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑትብዑኣይትፍርሁብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 8:23-27 | 15 Helpful votes

ናብ ጃልባ ምስ ኣተወደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎእንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦምጐይታይጠፋእናኣድሕነናእናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነትከመይከ እትፈርሁበሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖምዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስመን ኰን ይኸውንኢሎም ኣስተንከሩ

Translation | Context
መዝሙር 107:29 | 13 Helpful votes

ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ።

Translation | Context
መዝሙር 34:17-20 | 10 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎምእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርን

Translation | Context
ናሆም 1:7 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 6 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 4 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 27:20 | 2 Helpful votes

ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:17 | 2 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
ማርቆስ 4:35-41 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገርበሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነእታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረኣተንሲኦም ድማ፡ መምህርክንጠድፍእዶ ግድና የብልካንበልዎተንሲኡ ንንፋስ ገንሖንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላእቲ ንፋስ ዝግ በለዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩምከመይእምነትዶ የብልኩምንበሎምኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:13 | 2 Helpful votes

ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስተሐጐሱ ደኣ።

Translation | Context
መዝሙር 46:10 | 2 Helpful votes

ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

Translation | Context