Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

statues


ዘጸአት 20:4-5 | 11 Helpful votes

ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:1 | 7 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:8-10 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይእዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕሰይጣንበሎ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:1-7 | 3 Helpful votes

ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩምዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 | 2 Helpful votes

ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ሮሜ 12:17-21 | 2 Helpful votes

ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 2 Helpful votes

የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 15:7-9 | 2 Helpful votes

ኣቱም ግቡዛትኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩንኸንቱ የምልኹኒ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:18 | 2 Helpful votes

ደቀየእዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያከምቲእቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:8 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር እየስመይ እዚኣ እያክብረተይ ከኣ ንኻልእምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 2 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context