Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all22 bible verses about
ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን።
Translation | Contextህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
Translation | Contextመሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Contextሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም። ናብ ሕግን ናብ ምስክርን፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓል እንተ ዘይተናገሩ፡ ብሓቂ ወጋሕታ የብሎምን።
Translation | Contextናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄርከስ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ በቲ ጊዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣኪሽውን ንዳዊት፡ ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ኸም እትወጹ ብርግጽ ፍለጥ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ እምበአር እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ንስኻ ኽትርኢ ኢኻ፡ በሎ። ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ እምበኣር ኵሉ ጊዜ ሓላዉ ነፍሰይ ክገብረካ እየ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብታ ሃገር ሰጒጕዎም ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአዮ ፈርሄ፡ ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ። ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር አላ፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቍልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧ በለቶ። ሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበኪ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስአልካ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል አተንስእለይ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳኦል፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ፧ ኢላ ዓው ኢላ ጨደረት። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ አሎኹ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብአይ ይወጽእ አሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ አሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ አለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ በለ፡ እግዚኣብሄር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ፧ እግዚኣብሄርሲ ከምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ። ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ንዱድ ኵራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚአ እዚ ነገር እዚ ገበረካ። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከኣ እንጌራ ኣይበልዔን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺአ፡ ኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተአዘዝኩ። ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቊራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይበልዕን፡ ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሐረደቶ፡ ሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት። ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲአውን ከዱ።
Translation | Contextነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።
Translation | Contextቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።
Translation | Contextበቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።
Translation | Contextማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
Translation | Contextሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።
Translation | Contextንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።
Translation | Contextምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።
Translation | Contextእቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።
Translation | Contextምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
Translation | Context