Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ።
Translation | Contextሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።
Translation | Contextገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ። ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።
Translation | Contextኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር።
Translation | Contextእቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም።
Translation | Contextእቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትይ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ። ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ። መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። እናረአዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ። ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ። ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን። ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል። የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና፡ በልዎ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም። ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።
Translation | Contextዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ።
Translation | Contextእቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ። እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።
Translation | Contextምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።
Translation | Contextግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡
Translation | Contextእቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ።
Translation | Contextፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Context