Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።
Translation | Contextእቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextእታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት። ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን። ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ።
Translation | Contextንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፣ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገር። ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍስት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን አሎኹ፣ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደብ፣ ነተን ነፍሳት፣ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍስት ሓራ ኸውጽኤን እየ። ነቲ ምጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፣ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፣ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን። ንልቢ እቲ ጻድቕ፣ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፣ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፣ እቲ ረሲእ፣ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፣ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፣
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን።
Translation | Contextኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Context