Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

sorcery


ዘሌዋውያን 19:31 | 7 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ዘጸአት 22:18 | 6 Helpful votes

ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 5 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 4 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 4 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 3 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 33:6 | 3 Helpful votes

ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረመንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:9 | 3 Helpful votes

ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:9 | 3 Helpful votes

እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 3 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

Translation | Context
ገላትያ 5:20 | 2 Helpful votes

ኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግ

Translation | Context
ህዝቅኤል 13:6-9 | 2 Helpful votes

እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፣ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፣ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፍዉከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ። ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኤኹምዎትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፣ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም አላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፣ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፣ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 15:23 | 2 Helpful votes

ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 19:3 | 2 Helpful votes

መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።

Translation | Context
ዳንኤል 2:27 | 2 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ

Translation | Context
ሚክያስ 5:12 | 2 Helpful votes

ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።

Translation | Context