Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።
Translation | Contextገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉ፣ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።
Translation | Contextኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዔ፡ ገጸይ ኣበሪሄስ፡ ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ፡
Translation | Contextጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፣ ኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፣ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧ ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፣ ጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ።
Translation | Contextሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ። ክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ። እግዚኣብሄር ዓብዪ፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። አቱም ዓሌታት አህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ፣ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ። ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ። አብ ማእከል አህዛብ፣ እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ። ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።
Translation | Contextንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextእቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።
Translation | Context