Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

sleeplessness


መዝሙር 4:8 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:24 | 7 Helpful votes

እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:21-26 | 4 Helpful votes

ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየንንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወትንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድእግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውንኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር

Translation | Context
ምሳሌ 3:21-24 | 2 Helpful votes

ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየንንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወትንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድእግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ያእቆብ 1:5-7 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:1-36 | 2 Helpful votes

ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይሓለቓ ኣይሁድ ነበረንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡረቢብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካንፈልጥ አሎና፡ በሎየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎመሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎየሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦንካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስደሃይ ኸኣ ትሰምዕካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩኒቆዲሞስ ከኣእዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣልኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ መሊሱ በሎንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻእዚዶ ኣይትፈልጥንብሓቂብሓቂ እብለካ አሎኹእንፈልጦ ንዛረብዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎ ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዝይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግናብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩብርሃን ናብ ዓለም መጸሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍናብ ብርሃን ኣይመጽእንእቲ ሓቂ ዚገብር ግናብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤናብ ዮሃንስ መጺኦምመምህርእቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉእንሆንሱ የጥምቕኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩእቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመንሱ ኺዓቢኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክርእቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግርኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 5:16 | 2 Helpful votes

ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 77:1-20 | 2 Helpful votes

ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፣ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል አሎኹ፣ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ። ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፣ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየትንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን አሎኹ፣ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን አሎ። ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፣ እሽገር ምዝራብውን እስእን አሎኹ። ናይ ቀደም መዓልትታት፣ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር አሎኹ። ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን አሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር አሎ፣ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧ ጸጋኡስ ንዘለአለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧ ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧ [ሴላ።] ኣነ በልኩ፣ እዚ እዩ ድኻመይዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር አሎኹ። ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፣ ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ። ዎ ኣምላኽመገድኻ ብቕድስና እዩ፣ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን አሎ፧ ተአምራት እትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮንህዝብኻንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍንብቕልጽምካ ተበጆኻዮ። [ሴላ።] ዎ ኣምላኽማያት ረአዩኻ፣ ማያት ረኣዩኻ፣ ተሸበሩውን፣ እወ፣ መዓሙቚ ተናወጸደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰጠፈር ድምጹ ኣስምዔፍላጻታትካውን ተወረወረ። ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፣ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውንጐደናኻ ኣብ ባሕሪመገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፣ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠንንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ

Translation | Context