Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

singing new songs


መዝሙር 98:1 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩየማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ

Translation | Context
መዝሙር 40:3 | 13 Helpful votes

ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 96:1-13 | 9 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪንእግዚኣብሄር ዘምሩንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉእግዚኣብሄር ዓብዪምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። አቱም ዓሌታት አህዛብንእግዚኣብሄር ሀቡክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡመስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ። አብ ማእከል አህዛብእግዚኣብሄር ነጊሱዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ። ሰማያት ይተሐጐሱምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእንዓለም ብጽድቂነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 5:9 | 7 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻእናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ

Translation | Context
መዝሙር 33:1-22 | 7 Helpful votes

ኣቱም ጻድቃንብእግዚኣብሄር እልል በሉ፣ ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ። ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ። ጽድቅን ፍርድን ይፈቱምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ። ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮንመዓሙቚ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ። ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ። እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ። ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውምእግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፣ እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ። ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንንጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍንፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፣ ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን። እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ። ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ። ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:10 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩንንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ

Translation | Context
መዝሙር 144:9 | 5 Helpful votes

ኣምላኽሓድሽ መዝሙር እዝምረልካዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ አሎኹ።

Translation | Context
ዘጸአት 15:1-27 | 5 Helpful votes

ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮምእግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉመዓሙቕ ከደኖምከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱጐይታይየማነይትኻ ብሓይላ ኸበረትጐይታይየማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮምቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶምብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ። እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብሴፈይ እመልሕኢደይ ድማ ተጥፍኦምበለብንፋስካ ኣንፈስካባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩብምስጋና እተፈራህካገባር ተኣምራትብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ የማነይትኻ ዘርጋሕካምድሪ ወሐጠቶምነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮምህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞምሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹዎ እግዚኣብሄርህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍስምባድን ፍርሃትን ወደቖምብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምንእግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወእግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴእንታይ ክንሰቲ ኢናኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖምበለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ

Translation | Context
መዝሙር 95:1-11 | 4 Helpful votes

ንዑንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምርንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣ ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብጻሕብመዝሙር እልል ንበለሉ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፣ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱምብራኽ አኽራን ከኣ ናቱ እዩ። ባሕሪ ናቱ እዩ፣ ንሱ ፈጠሮንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳዉ ገበራኦንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርፈጣሪናንንበርከኽ። ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰምዕኩም፣ ከም ኣብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ። በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒመገደይ ዘይፈለጡብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፣ በልኩ። ስለዚ፣ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም፣ ኢለ ብዅራይ መሐልኩ

Translation | Context
ጸፎንያስ 3:17 | 4 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂኣእዳውኪ ኣይተሐለላእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:1-25 | 3 Helpful votes

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩመዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነንክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉምንዝርርኽሰትፍትወት ስጋክፉእ ትምኒትስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራምንጽርጻርክፍኣትጸርፊዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩምከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩምንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውንግዝረትን ዘይግዝረትንባርባርን ስኪትንባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩምብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡትነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 3 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም

Translation | Context
መዝሙር 96:1 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ

Translation | Context