Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ አሎ።
Translation | Contextንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።
Translation | Contextብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ኪሐርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ኬቚሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ኪጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ኪለግቡ እዮም። እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ኪወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ኪገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዜዕርፈካ መዓልቲ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፡ ከመይ ኢሉ እቲ ጨቋኒ ተወዲኡ፧ ኤረ እቲ ግፍዒኸ ኸመይ ኢሉ ተወዲኡ፧ እግዚኣብሄር ንበትሪ ረሲኣን፡ ነቲ ዘንጊ ገዛእቲ፡ ሰበሮ። ነቲ ንህዝብታት ብቚጥዓ ኸየቛረጸ ዝወቕዖም፡ ነቲ ብዂራን ዓጋቲ ብዜብሉ ምስጓጒን ነህዛብ ዝገዝኤ ዘንጊ ሰበሮ። ኲላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ አለው። ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ኪቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው። እቲ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክትመጽእ ከሎኻ ኺቀባበለካ ኢሉ ብኣኻ የዕገርግር፡ ንድኔታትን ንዂሎም ስልጡናት ምድርን የበራብረልካ፡ ንዂሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋውንቶም የተንስኦም። ኲላቶም ከኣ፡ ንስኻውንዶ ኸማና ሐሚቕካ፧ ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ፧ ኢሎም ኪመልሱልካ እዮም። ክብረትካን ቃና መሰንቆታትካን ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ መንጸፍካ ሓሳኹ፡ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም። ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ። ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዜብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ፧ ይብሉ ኣለው። ኲሎም፡ ነገስታት ኣህዛብ፡ ብዘለዉ ዂሎም፡ ኣብ በቤቶም ብኽብሪ በጥ ኢሎም ኣለው፡ ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ተደርቤኻ። ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ ንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኣይኪስመን እዩ። ከይትንስኡ ንምድሪ ኸኣ ከይወርሱ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብኸተማታት ከይመልእዋ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንውሉድ ማሕረዲ ኣዳልው። ኣነ ኽትንስኦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስምን ትርፍን ወድን ወዲ ወድን ካብ ባቢሎን ከጽንት እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ማሕደር ቅንፍዝን ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ድማ ክዂስትራ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ። ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪውሰድ፡ ጾሩውን ካብ መንኲቦም ኪውሰድ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሔት ኢድ እዚኣ እያ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ፧ ኢዱ ተዘርጊሓ አላ፡ መንከ ይመልሳ፧ በታ ንጉስ ኣሃዝ ዝሞተላ ዓመት እዚ ጾር እዚ ዀነ፡ ካብ ሱር ተመንሲ ኸይሲ ኺወጽእ እዩ፡ ፍሬኡ ኸኣ ዚነፍር ርሱን ተመን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣቲ ፍልስጥኤም ብዘሎኺ፡ እቲ ዝወቕዓኪ ሸቦጥ ስለ እተሰብረ ኣይትተሐጐሲ። በዂሪ እቶም ድኻታት ኪጓስዩ፡ ሽጉራት ከኣ ሀዲኦም ኪሰፍሩ እዮም። ንሱርኪ ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፡ ትርፍኺ ድማ ኪሕረድ እዩ። ትኪ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ሰራዊቱ ኸኣ ንበይኑ ዚተርፍ የልቦን እሞ፡ ኣታ ደገ፡ ዋይዋይ በል፡ ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ፡ ብዘሎኺ ፍልስጥኤም ከኣ፡ ምኸኺ። ንልኡኻት ህዝብኻ እንታይ ኢሎም ኪመልሱሎም እዮም፧ እግዚኣብሄር ንጽዮን ከም ዝሰረታ፡ እቶም ሽጉራት ህዝቡ ኸኣ ኣብኣ ጸግዒ ኸም ዚረኸቡ።
Translation | Contextእቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።
Translation | Contextናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
Translation | Contextነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።
Translation | Contextተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።
Translation | Contextኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።
Translation | Context