Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
Translation | Contextሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።
Translation | Contextዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
Translation | Contextናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ።
Translation | Contextእቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ።
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበርሉ።
Translation | Contextምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም አሎ። ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም አሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ አሎኹ። ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን። ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ። እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ ካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።
Translation | Context