Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ኸኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸኣ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዕው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። እቲ ህዝቢ ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጐስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኺፈልዩ ኣይከአለን።
Translation | Contextኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን።
Translation | Contextዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
Translation | Contextካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ።
Translation | Contextናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዝቅሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረአይዎ ዅሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥
Translation | Contextኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሐጐስን እልል በልን።
Translation | Contextኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
Translation | Contextሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ። ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት። ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ።
Translation | Contextኣቲ ጓል ጽዮን፣ ዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን።
Translation | Contextኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextእያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ፡ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ሽዑ ኣውክዑ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
Translation | Contextሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ።
Translation | Context