Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextእቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፥ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎ፧ በሉ። ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉ። ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። የሱስ መለሰሎም፥ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፥ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ።
Translation | Contextምስላታት ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡ ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦም። ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡ ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል። መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ። መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ። ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ። ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Context