Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

28 bible verses about

sexism


ገላትያ 3:28 | 11 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:12 | 8 Helpful votes

ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 3:26-28 | 8 Helpful votes

ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:17 | 5 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:14 | 5 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዘ የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ከውድቕ እዩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:4 | 5 Helpful votes

ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-14 | 4 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:9 | 4 Helpful votes

ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን

Translation | Context
ሉቃስ 24:8-11 | 4 Helpful votes

ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:26 | 4 Helpful votes

ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ

Translation | Context
ማርቆስ 16:9 | 3 Helpful votes

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-42 | 3 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶየሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:42-45 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነንእቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹንካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹንወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context
መዝሙር 68:11 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።

Translation | Context
እዮብ 38:28-30 | 2 Helpful votes

ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧ ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወርዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:11-12 | 2 Helpful votes

ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21 | 2 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
ሮሜ 16:7 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣትቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ።

Translation | Context
ሮሜ 16:3 | 2 Helpful votes

ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይጵርስኪላን ኣኪላስንሰላም በሉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 21:9 | 2 Helpful votes

ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:3 | 2 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።

Translation | Context
ሚክያስ 6:4 | 2 Helpful votes

ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡

Translation | Context
ማርቆስ 6:14-29 | 2 Helpful votes

ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በለካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩበሉ። ካልኦት ከኣ፡ ነብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። ሄሮዶስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡበለዮሃንስ ንሄሮዶስሰበይቲ ሓዉካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካንኢልዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰራ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላንምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔትንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓልዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪበላ። ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖበለታ ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ በለታ። ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ አሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ሐዘነስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወንብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፡ እታ ጓልውን ነዲእ ሃበታደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ

Translation | Context
ፊልጲ 4:3 | 2 Helpful votes

እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ አሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:15 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም።

Translation | Context
ዮኤል 2:29 | 2 Helpful votes

በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1-34 | 2 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበንርእሱ የሕስርሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበትእዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረንስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩምምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነንእትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምንወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎበለከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲኣይምተዀነናን ኔርናክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነንብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚኣሕዋተየንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩክሰርዖ እየ።

Translation | Context