Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
Translation | Contextነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።
Translation | Contextወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
Translation | Contextከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም። ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን።
Translation | Contextሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።
Translation | Contextነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ።
Translation | Contextወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወት ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።
Translation | Contextስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።
Translation | Contextከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም። ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።
Translation | Contextእዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።
Translation | Context