Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

self sacrifice


ዮሃንስ 15:13 | 23 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን

Translation | Context
ፊልጲ 2:3-4 | 10 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት

Translation | Context
ዮሃንስ 12:25 | 6 Helpful votes

ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:7 | 5 Helpful votes

ኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:39 | 4 Helpful votes

እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-3 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:9 | 2 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 16:1-24 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። ኣነ ምስ መጻእኩምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሑነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዓዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ አሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእብሰላም ኣፋንውዎሓደ እኳ ኣይንዓቆግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉንምስ ጠዓሞ ግና ኪመጽእ እዩንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑበርትዑኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበርኣሕዋተየቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዓዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎምእልምነኩም አሎኹብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ አለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ አሎ። ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣቕሲኖም እዮም እሞ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎምእተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉእዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹንማራን ኣታጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 2 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:14 | 2 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን

Translation | Context
እብራውያን 12:1-29 | 2 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምትምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየእግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም። ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩምኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮምብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑናንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወንእቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወንሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድልንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩምተጠንቀቑከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየብንብዓት እናደለያ ኽነሱስንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከየ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጸርዎ ኣይተኻእሎምንሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን አሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ። ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም። እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ክዛረቦም ከሎ፡ አብዮም ካብ ዘየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ዝባንና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ፧ ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበርንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩንኡሊ ተስፋ ይህብ። እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልክት ዘላ። ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:8 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context