Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ። ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ።
Translation | Contextኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡
Translation | Contextፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
Translation | Contextኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
Translation | Contextወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ።
Translation | Contextእቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።
Translation | Contextእቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ። ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ። ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ። ልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ። ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሐይሽ። ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ፡ መማለጃ ኸኣ ንልቢ የጥፍኦ። ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ። ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ። ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ። ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ። ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዘጐበጦ መንከ የቕንዖ፡ በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ። ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎ፡ ረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ዅሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎ። እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፡ እምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት፡ ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ዅሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ። ካብ ኣብ ከተማ ዘለዉ ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ። ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ። ነዚ ዅሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት። እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሐ ይኽእል፡ ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥ፡ ክምርምር ክደሊውን፡ ረሲእነትሲ ዕሽነት፡ ዕብዳን ከአ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ። ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸኣ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝዀነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል። ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።
Translation | Contextንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና።
Translation | Contextመሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።
Translation | Contextከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።
Translation | Contextጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ። ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Context