Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

seeking gods will


ዮሃንስ 5:30 | 8 Helpful votes

ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ማቴዎስ 26:39 | 6 Helpful votes

ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውንኣቦይዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኩን።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 6 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 5 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ሮሜ 8:27 | 4 Helpful votes

እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 4 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 16:17 | 4 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:3-5 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢባእሲ ጸርፊሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም

Translation | Context