Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ። በለ ድማ፣ ካብ ንመከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኡ፣ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ። ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደርቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበበኒ፡ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ። ኣነ ኸኣ በልኩ፣ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፣ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ። ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንጋዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ። እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፡ ጸጋኦም ይሐድጉ። ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተመባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
Translation | Contextብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።
Translation | Contextኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
Translation | Contextግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።
Translation | Contextእዚ ኣብ ልበይ ኤንብር፡ ስለዚ ድማ ተስፋ እገብር። ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Context