Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።
Translation | Contextኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ። ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧ ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ፧ ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧ ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ፧ ደበና ልብሱ ኪኸውን፡ ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ፡ ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡ መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡ ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡ እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ በልኩ። ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡ ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡ ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር። ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ፧ ኣብ ውሽጢ መዓሙቚከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ፧ ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ፧ ኤረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ፧ ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ፧ እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ። ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡ ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡ እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ አላ፧ ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ አሎ፧ ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡ ኤረ ቚጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ፧ ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ፧ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዚምቀለላ፡ ንፋስ ምብራቕ ዚዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ፧ ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡ ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ፡ ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ፡ ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቊል፡ ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡ ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ፧ ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧ ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።
Translation | Contextንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧
Translation | Contextንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።
Translation | Contextገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።
Translation | Contextንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ።
Translation | Contextዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።
Translation | Contextንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።
Translation | Contextንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዅሉ ተግባር ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ።
Translation | Contextቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
Translation | Context