Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሀብካ።
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸኣ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ።
Translation | Contextስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።
Translation | Contextንዘለአለም ንበረኸት ጌርካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብደስታ ኣሐጐስካዮ።
Translation | Contextኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ፡ በሎም።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።
Translation | Contextብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።
Translation | Contextንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።
Translation | Contextንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።
Translation | Context