Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ። ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፣ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዘርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፣ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።
Translation | Contextኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ።
Translation | Contextእቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextበሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ።
Translation | Contextኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextመርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።
Translation | Contextድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
Translation | Contextንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ።
Translation | Context