Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

sarah


ዘፍጥረት 21:1-34 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላሳራ ድማ ጠነሰትበቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱሳራ ዝወለደትሉስሙ ይስሃቅ ኣውጽኣሉኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ። ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕበለትኣብ እርግናኡ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቘልዓ ተጥቡ ኸም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፡ ድማ በለትእቲ ቘልዓ ኸኣ ዐበየጡብውን ሓደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ምሳሕ ገበረሳራ ድማ እቲ ኣጋርግብጻዊትንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረአየትንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይምስ ይስሃቅኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮምበለቶእዚ ነገርዚ ኸኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዩኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ እሞ፡ ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕንወዲ እዛ ባርያ ድማ፡ ዘርእኻ ስለ ዝዀነህዝቢ ኽገብሮ እየ፡ በሎ። ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱንኣጋር ሀባኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቘልዓውን ሂቡ ሰደዳንሳ ኸኣ ኸይዳኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰብለል ትብል ነበረት። እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ተወድኤ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሐደገቶ። ሞት እዚ ቘልዓ ኸይርኢኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚአክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየትኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቘልዓ ሰምዔመልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። ነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ። ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላዔላ ማይ ከኣ ረአየትከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶኣምላኽ ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረንሱ ኸኣ ዓበየኣብ በረኻውን ተቐመጠቀስተኛ ኸኣ ዀነ። ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉኰነ ኸኣ፡ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜለክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኵሉ ምሳኻ እዩ። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገበርኩልካ፡ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር፡ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ መሓለለይኣብርሃም ከኣ፡ ኣነ እምሕል በለኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ባሮት ኣቢሜለክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜለክ ወቐሶኣቢሜለክ ከኣ፥ ነዚ ነገር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይሎሚ ኣይሰማዕኩንበለኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ወሲዱ ንኣቢሜለክ ሀቦክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሾብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም፡ እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሾብዓተ ሽበን እንታይ እየን፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ነዛ ዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ፡ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ኪዀናኒ፡ እዘን ሾብዓተ ሽበን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድበለ። ስለዚ ኽልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሐሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉኣቢሜለክ ድማ ተንሲኡ ምስ ፊኮልሓለቓ ሰራዊቱናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ። ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተምሪ ተኸለኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄርዘለኣለማዊ ኣምላኽተማህለለኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ዀይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።

Translation | Context
እብራውያን 11:11 | 7 Helpful votes

ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት

Translation | Context
ዘፍጥረት 16:15 | 5 Helpful votes

ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-22 | 5 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦምእትዳናገጹሕውነት እተፍቅሩለዋሃትትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩምስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውንንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹምክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎምትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየትእታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደትማለት ሾሞንተ ነፍሲብማይ ዝደሐናላነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉማለት ጥምቀትየድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context