Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።
Translation | Contextእቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቊል ጀመረ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡን ኪሕጐሱን ተአከቡ፡ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞ። ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኣኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ። ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። ሲምሶን ከኣ ብንምጋጋ ኣድጊ ሓደ ዅምራ፡ ኤረ ኽልተ ዅምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ። ኰነ ኸኣ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማት-ሌሒ ሰመያ።
Translation | Contextሲምሶን ከኣ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኽፈድየኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎ፡ በሎም። ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ስለፍን ከኣ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖዎ። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸኣ ፋሕ በሉ። ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደየብኩም፧ በልዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ። ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፧ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደኣ ኸይትጐብጡኒ ምሐሉለይ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ።
Translation | Context