Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።
Translation | Contextኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ። ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ ነቲ ዝለአኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ። እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።
Translation | Contextናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።
Translation | Contextእቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
Translation | Contextትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።
Translation | Contextጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።
Translation | Contextኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።
Translation | Contextኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Contextዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Context