Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

sabbath day


ዘጸአት 20:8-11 | 7 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን

Translation | Context
ማርቆስ 2:27 | 5 Helpful votes

ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:13-14 | 4 Helpful votes

ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብርእግርኻ እንተ ዘሐጥካንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየመገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:1 | 4 Helpful votes

ድሕሪ ሰንበትወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:17-19 | 3 Helpful votes

ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበርክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩምሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረከምእውን ንሰብ ዝመሀረኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግናንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:1-16 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልናምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉንፍራህንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግናኣይጠቐሞምንግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎከም ዝበለንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈኢሉ አሎ። ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩምልብኹም ኣይተትርሩከም እተባህለድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ አሎ። እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደልቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናትየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ

Translation | Context
እብራውያን 4:9 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:28 | 3 Helpful votes

እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 4:16 | 3 Helpful votes

ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወኬንብብውን ተንስኤ

Translation | Context
ሉቃስ 23:56 | 3 Helpful votes

ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ

Translation | Context
ቈሎሴ 2:16-17 | 3 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:20 | 3 Helpful votes

ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:2 | 2 Helpful votes

ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም አትዩሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:42 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም

Translation | Context
ዘጸአት 20:10 | 2 Helpful votes

እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ

Translation | Context
ሮሜ 14:5 | 2 Helpful votes

እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 23:32 | 2 Helpful votes

እዚኣ ፍጹም ሰንበት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸትንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።

Translation | Context
ራእይ 14:12 | 2 Helpful votes

እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:8 | 2 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር

Translation | Context
ዘጸአት 31:16 | 2 Helpful votes

ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሐልውዋ

Translation | Context
ሮሜ 3:31 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ አሎና፡ ያእ ኣይፋልናንንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ አሎና።

Translation | Context
ማርቆስ 16:1 | 2 Helpful votes

ሰንበት ምስ ሐለፈትማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context