Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።
Translation | Contextብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።
Translation | Contextወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ።
Translation | Contextከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።
Translation | Contextውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።
Translation | Contextበታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ።
Translation | Contextንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።
Translation | Contextንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ። ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፣ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፣ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፣ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፣ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፣ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፣ ክሳዕ እግረይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገአኒ፣ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ። ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፣ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፣ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ትርኢዶ አሎኻ፡ በለኒ። ሽዑ ወሰድኒ፣ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ። ምስ ተመለስኩ፣ እንሆ፣ ወሰን ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም አሎ።
Translation | Contextብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።
Translation | Context