Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

risk taking


መክብብ 11:4-6 | 17 Helpful votes

ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእንንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ። ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር

Translation | Context
ማቴዎስ 25:14-30 | 12 Helpful votes

መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 11:1-3 | 9 Helpful votes

ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ። ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር።

Translation | Context
2ይ ነገስት 7:4 | 9 Helpful votes

ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልናኣብ ከተማ ጥሜት አሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢናሕጂ ኸኣ ንኺድናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድብህይወት እንተ ሐደጉናብህይወት ንነብርእንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 8 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

Translation | Context
ማቴዎስ 25:29 | 7 Helpful votes

ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:11-12 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዐዝበለኒ። ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 14:29 | 5 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:17-20 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመትፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:36 | 3 Helpful votes

ንሰብብዘላ ዓለም ረቢሑነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ

Translation | Context