Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ።
Translation | Contextስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
Translation | Contextብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextእቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።
Translation | Contextእቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።
Translation | Context