Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።
Translation | Contextሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
Translation | Contextበቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
Translation | Contextግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።
Translation | Contextልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ።
Translation | Context