Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
Translation | Contextእዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
Translation | Contextኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ።
Translation | Contextነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣
Translation | Contextእንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።
Translation | Contextኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧
Translation | Contextብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።
Translation | Contextብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
Translation | Contextኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።
Translation | Contextጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ። ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ አሎኹ። ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
Translation | Contextበቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተአሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
Translation | Context