Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ። ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
Translation | Contextምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Context